ኣገባባት ዝንታወ ኣብ ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን
DOI:
https://doi.org/10.71624/xjtd4k66Keywords:
ዝንታወ (Narrative), ገድል, ኣገባባት ዝንታወ (Narrative Modes)Abstract
ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን ተጋድሎኣዊ ሕይወት ኣዳምን ኣብርሃምን ዘዘንትዉ፣ ነገረ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝነግሩን ህላወን ሕልፈትን ዓለምን ተፈጥሮኣን ዘረድኡን ኣካል ጥንታውያን ስነ ፅሑፍ ግእዝ እዮም። እዚ መፅናዕቲ ኣብዞም ክልተ ገድልታት እንታይ ዓይነት ኣገባባት ዝንታወ ምህላዎም ንምንፃር ተሳሊጡ። ዳህሳስ ሰነድ ብምክያድ ገለፃ ትሕዝቶ ስለ ዘቕርብ ዓይነታዊ መፅናዕቲ እዩ። ኣብቶም ዝረአዩ መግለፅታት ዝርከቡ ኣገባባት ዝንታወ ገለፃውን ፍካረኣውን ሜላታት ትንተና ብምጥቃም ተተንቲኖም። እቶም ኣገባባት እኒ ጀነቴ (1980 [1972])፣ ቦንሂም (1982)፣ ቻትማን (1978)፣ ቱላን (2001)ን ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሊቃውንትን ዘሰጉምዎም ኣምራትን ክልስ ሓሳባትን ብምጥቃም ተሓቢሮም። ኣብቶም ገድላት ዘለዉ ዛንታታት፥ ትዕይንትን (ምርኣይን ምንጋርን) ኣሕፅሮትን (ገለፃን ርእይቶን) ብዝብሉ መግለፅታት ኣገባባት ዝንታወ ዝዝንተዉ እዮም። እዞም መልክዓት ዝንተወ ሒዞም ምርካቦም፥ እቶም ክልተ ገድላት ብኣገባባት ዝንታወ ከም ዝዝንተዉ የርእይ። ስነ ፅሑፋዊ ሜላታት ኣገባባት ዝንታወ ኣብቶም ገድላት ኣብ ተግባር ዝወዓሉ ምዃኖም እውን ርካቦ እዚ መፅናዕቲ ይሕብር። እዚ ድማ፥ ንምውዳድ ገድላዊ ፍፃመታትን መዋቕር ዝንታወን ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝገበረ እዩ። እቶም ገድላት ኣብ ኣገባብ ዝንታውኦም ምስንሳል፦ ቋንቋ፣ ኣገባብ ትሕዝቶ፣ ኣወዳድዳ ታሪኽን እምነትን … ኣለዎም። እዞም ዛዕባታት እዚ መፅናዕቲ ካልኦት ተመራመርቲ እውን ትዅረት ብምሃብ ከፅንዕዎም ይግባእ።
Downloads
Published
Issue
Section
License
ITYOPIS – Northeast African Journal of Social Sciences and Humanities (INEAJSSH) is an open-access platform in cascading knowledge to the global community. All research works are free of charge; they are freely available to users. They are permitted to use them for any academic purpose, without receiving prior consent from Mekelle University or from the authors, given that they cite the source.