ኣገባባት ዝንታወ ኣብ ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን

Authors

  • Hafte Nigus Gebregergis Author
  • Tesfaye Mesele Zinabu ተሓባባሪ ፕሮፌሰር፣ ፒ.ኤች.ዲ. ብስነ ፅሑፍ፣ ክፍሊ ትምህርቲ እንግሊዝኛ፣ ኮሌጅ ህብረተሰብ ሳይንስን ቋንቋታትን። Author
  • Getahun Mesele Melku ሓጋዚ ፕሮፌሰር፣ፒ.ኤች.ዲ. ብስነ ፅሑፍን ፎክሎርን፣ ክፍሊ ትምህርት ትግርኛ፣ ኮሌጅ ህብረተሰብ ሳይንስን ቋንቋታትን። Author

DOI:

https://doi.org/10.71624/xjtd4k66

Keywords:

ዝንታወ (Narrative), ገድል, ኣገባባት ዝንታወ (Narrative Modes)

Abstract

ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን ተጋድሎኣዊ ሕይወት ኣዳምን ኣብርሃምን ዘዘንትዉ፣ ነገረ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝነግሩን ህላወን ሕልፈትን ዓለምን ተፈጥሮኣን ዘረድኡን ኣካል ጥንታውያን ስነ ፅሑፍ ግእዝ እዮም። እዚ መፅናዕቲ ኣብዞም ክልተ ገድልታት እንታይ ዓይነት ኣገባባት ዝንታወ ምህላዎም ንምንፃር ተሳሊጡ። ዳህሳስ ሰነድ ብምክያድ ገለፃ ትሕዝቶ ስለ ዘቕርብ ዓይነታዊ መፅናዕቲ እዩ። ኣብቶም ዝረአዩ መግለፅታት ዝርከቡ ኣገባባት ዝንታወ ገለፃውን ፍካረኣውን ሜላታት ትንተና ብምጥቃም ተተንቲኖም። እቶም ኣገባባት እኒ ጀነቴ (1980 [1972])፣ ቦንሂም (1982)፣ ቻትማን (1978)፣ ቱላን (2001)ን ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሊቃውንትን ዘሰጉምዎም ኣምራትን ክልስ ሓሳባትን ብምጥቃም ተሓቢሮም። ኣብቶም ገድላት ዘለዉ ዛንታታት፥ ትዕይንትን (ምርኣይን ምንጋርን) ኣሕፅሮትን (ገለፃን ርእይቶን) ብዝብሉ መግለፅታት ኣገባባት ዝንታወ ዝዝንተዉ እዮም። እዞም መልክዓት ዝንተወ ሒዞም ምርካቦም፥ እቶም ክልተ ገድላት ብኣገባባት ዝንታወ ከም ዝዝንተዉ የርእይ። ስነ ፅሑፋዊ ሜላታት ኣገባባት ዝንታወ ኣብቶም ገድላት ኣብ ተግባር ዝወዓሉ ምዃኖም እውን ርካቦ እዚ መፅናዕቲ ይሕብር። እዚ ድማ፥ ንምውዳድ ገድላዊ ፍፃመታትን መዋቕር ዝንታወን ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝገበረ እዩ። እቶም ገድላት ኣብ ኣገባብ ዝንታውኦም ምስንሳል፦ ቋንቋ፣ ኣገባብ ትሕዝቶ፣ ኣወዳድዳ ታሪኽን እምነትን … ኣለዎም። እዞም ዛዕባታት እዚ መፅናዕቲ ካልኦት ተመራመርቲ እውን ትዅረት ብምሃብ ከፅንዕዎም ይግባእ።

Downloads

Published

2024-12-15

How to Cite

ኣገባባት ዝንታወ ኣብ ገድለ ኣዳምን ገድለ ኣብርሃምን. (2024). ITYOPIS: Northeast African Journal of Social Sciences and Humanities, 6(2), 24-47. https://doi.org/10.71624/xjtd4k66