መንገዲ ወለዲ: - ታሪኸ ፖለቲካዊ መንነት ህወሓት ብመንፅር ውድባዊ ጭርሖታት

Authors

  • Berhane Adisalem Gebregziabher Mekelle University Author

Keywords:

መንነት, ጭርሖ, ወያናይ ገስጋስ, ወድዓዊ ባይታ, መድረኻዊ ተልእዀ

Abstract

ቀንዲ ዕላማ እዚ መፅናዕቲ፣ ታሪኸ ፖለቲካዊ መንነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ካብ ሕዚ፣ ህወሓት] ብመንፅር ጭርሖታት እታ ውድብ ምድህሳስ እዩ። መረዳእታ ብዳህሳስ ሰነዳትን ማንዛዊ ዘተን ተኣኪቡ፤ ብመስርሓዊ መትከል እቶም ቀንዲ መግለፅታት ዓይነታዊ መፅናዕቲ ዝዀኑ መይላታት ገላፅን ተንታንን ድማ ተተንቲኑ። ጐኒ ንጐኒ፣ ብኸይዲ ጕስዐተ ልባዊ ኣስተንትኖ ብምስናይ ተስተንቲኑ። ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ ከም ዝሕብሮ፣ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ነዊሕን መሪርን ምንባሩን ኣዝዮም ኣገረምቲ ዝዀኑ ፖለቲካውን ታሪኻውን ምሽጥራት ዝሓዘለን እዩ። ብተወሳኺ፣ ጭርሖታት ህወሓት ንኸይዲ እቲ ወርቃዊ ታሪኽ ብወሳናይነት ዝዓጀቡ ጥበባዊ ነፀብራቓት ብምዃን፣ ንወድዓዊ መንነቱ ብምጕላህ፣ ንዅለንተናዊ ምስሉ ኣብ ምርኣይ ልዑል ጕልበት ዝወነኑ ኰርኰርትን ተዛረብትን ባእታታት ምርምር ምዃኖም ብደንቢ ምንፃር ተኻኢሉ።

Downloads

Published

2024-11-12