ስርዓተ ነጥቢ ትግርኛ፡- ካበይ ናበይ

Authors

  • Abate Kassahun Teferra MU Author

Keywords:

ስርዓተ ነጥቢ, ነጥባት, ፅሕፈት, ንፁርነት, ኣገባብ ኣፀሓሕፋ

Abstract

እዚ መፅናዕቲ፣ ኣስማት፣ ቅርፅታት፣ መበቈልን ኣጠቓቐማን ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዝርከቡ ነጥባት
ይድህስስ። ብኸምዚ፣ ነባራትን ብዝተፈላለዩ ተጠቀምቲ ናብቲ ልሳን ዝኣተዉን ዝኣትዉን ምልክታት
ይንፅርን ይትንትንን። ምእንተ እዞም ዕላማታት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ዝተሓተሙ ውፅኢታት ፅሕፈት እቲ ልሳን፣ መረዳእታ ተወሲዱ። እቶም ፍልፍላት፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ስርዓተ ነጥቢ ዘድህቡ ወይ ብመንፅር ዝተፀሓፉሉ ዘመን፣ ቦታ፣ ስነ ልሳናውን መስተራኽባውን ምኽንያታት ኣገደስቲ ዝበሃሉ እዮም። ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ዝተረኣየ ግዜ ካብ ዝተሓተሙ ወይ ዝተፈነዉ ፅሑፋት ከከም ኣድላይነቱ መረዳእታ ተኣኪቡ። ኣብ ገፃት መርበብን መደባት ተለቭዥንን ዝዝውተሩ ኣብነታትን ኣጠቓቕማታትን እውን ተራእዮም። እቶም ዋና ፅሑፋት ብመንፅር ግዜ ብምስራዕ፣ ኣብ ፍረ ነገራት እቲ ባእታ ጠመተ ብምግባር ዳህሳሳዊ ትንተና ተኻይዱ። እቶም ምልክታት ኮኑ ኣጠቓቕማታት፣ ኣብ ድርሳናት ግእዝ ምስ ዘለዉ ዝመሳሰሉ ኰይኖም፣ ብስርዓተ ነጥቢ ምዕራባውያን ዝተፀለዉ እዮም። እቶም ተጠቀምቲ ዘለዉዎ ቦታ ብዘየገድስ፣ ናብ ነባር ምልክታት ግእዝ ምምላስን ከምቶም ምዕራባዊ ምልክታት ተዓፃፃፍነቶም ምውሳኸን ምዝማንን ይረአይ። ርኡይ ዝኾነ ውልቃዊ፣ ትካላውን ከባብያውን ኣፈላላያት ኣብ ዝተወሰኑ ምልክታት እውን ኣሎ። ስለዚ፣ ንዝበለፀ መስተራኽብ ኣብ መረፃ ምልክታትን ኣብ ሓላፍ ዘላፍ ኣጠቓቕማታትን መፍትሕታትን ንምንዳይን ኣንፈታት ንምንፃርን፣ ዓውደ መፅናዕትታትን ዘተታትን ምስላጥን ኣጠቓቕማ ሕድሕድ ምልክት ዝሕብሩ ሰነዳት ምድላውን ይግባእ።

Downloads

Published

2022-12-06