መነፀርታ ወድዓዊ ገፀ-ኵነት ፅሑፋዊ ተረዳድኦ ትግርኛ [ትዅረት፡- ድሕረ 2010 ዓ.ም.]

Authors

  • Berhane Adisalem Gebregziabher Mekelle University Author

Keywords:

ወድዓዊ ኵነት, ወድዓዊ ገፀ-ኵነት, ፅሑፋዊ መንነት, ፅሑፋዊ ተረዳድኦ, ፖለቲካዊ ተርእዮ, ፖለቲካዊ ኵነት

Abstract

ዋና ጠመተ እዚ መፅናዕቲ፣ ድሕሪ 2010 ዓ.ም. ኣብ ፅሑፋዊ ተረዳድኦ ቋንቋ ትግርኛ ዝተርኣየ ሓፈሻዊ ገፀ-ኵነት ምንፃር እዩ፡፡ ቀንዲ ተተኰርቲ መፅናዕቲ ንምሕራይ ክልሰ-ሓሳባዊ መይላ ሕርያ ዝተተግበረ ኰይኑ፣ ብዋናነት ካብ 2010-2015 ዓ.ም. ብዝተፈላለዩ መስርሓት ፅሑፋዊ ተረዳድኦ [ንኣብነት፡- እዋናዊ ውፅኢታት፣ ታሪኻዊ መፃሕፍቲ፣ ስነ ልሳናዊ ሰሌዳታት፣ ማሕበራዊ ሚድያ (ብዋናነት ምስትያት ፅሕፈት)፣ ወዘተ.] ዝተዘርግሑ ውፅኢታት ብፍሉይ ትዅረት ተመዚዞም ኣካል መፅናዕቲ ተገይሮም፡፡ መረዳእታ ብዳህሳስ ሰነዳትን ብተግባራዊ ትዕዝብትን ብምእካብ ሕድሕዳዊ ዝምድና ፀላውን ተፀላውን ባእታታት ንምንፃር ብዝሕግዝ መይላ ጕስዐተ-ልባዊ ትንተና ተሰንዩ ብስፍሓትን ብዕምቈትን ተተንቲኑን፤ በዚ መሰረት፣ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኵነት ከም ፀላዊ ባእታ፣ ፅሑፋዊ መንነት ቋንቋ ትግርኛ ድማ ከም ተፀላዊ ባእታ ተራእዮም፡፡ ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ፣ ፅሑፋዊ መንነት ቋንቋ ትግርኛ ኣብቲ ዝተነፀረ ዓንኬል ግዜ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተርኣየ ፖለቲካዊ ኵነት ስዒቡ ብወሳናይነት ምንቕቕሑ ይሕብር፡፡ ምስዚ ብምትእስሳር ብዝተፈላለዩ መልክዓት ዝፈረዩ ተግባራዊ መግለፅታት እዚ ዓውዲ ኣዝዮም ብዙሓትን ንዙሓትን ኰይኖም፣ ሓፈሻዊ ባህሪ ዝተፈጠሩሉን ዝተተግበሩሉን እዋን ብዝግባእ ዝሓበሩ ከምኡ እውን መሰረታዊ ባህጊ ፀሓፍቶምን ተደረስቶምን ብዕሊ ዝነፀሩ ህዝባዊ ስራሕቲ እዮም፡፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተተኰርቲ ስራሕቲ፣ ብሓደ መዳይ፡- ፀላውነት፣ ነፃነት፣ ንፅረት፣ ዘላቕነት፣ ሓቛፍነት፣ ርዝነት፣ ሓታታይነት፣ ዘቤታውነት፣ ኣንቃሓይነት፣ ወዘተ. ዝብሉ ብእወንታዊ ጐኒ ዝግለፁ ሓለፋታት፣ በቲ ካሊእ ኣንፈት ድማ ብመንፅር ስርዓተ-ፅሕፈት፣ ኵነተ ኣጠቓቕማ ቋንቋ፣ ብፍላይ ስነ-ልሳናዊ ምዕሩይነትን ዓውዳዊ ኣግባብነትን ዝትንተኑ ርኡያት ግድፈታት (ኣሉታዊ መልክዓት) ከምዝንፀባረቑሎም ውፅኢት እዚ መፅናዕቲ ዘረጋገፆ ካሊእ ወድዓዊ ሓቂ እዩ፡፡ ከምዚኣቶም ኣብ ዝበሉ ርትዓዊ መደምደምታት ብምትርኣስ፣ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጠሓለሉ ዓዘቕቲ ጥፍኣት ብምንጋፍ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ምዕባለ ንምስግጋር በቢ እዋኑ ዝረኣዩ ሕድሕድ ተግባራዊ መግለፅታቱ ብሓፈሻ፣ ብዋናነት ድማ ብዝተፈላለዩ መስርሓት እናፈረዩን እናተሰነዩን ናብ ኣንበብቲ ዝዝርግሑ ፅሑፋዊ ውፅኢታቱ ብሳይንሳዊ መይላታት ብምትንታን መፍትሒ ሓሳባት ዝንፅሩ ምርምራዊ ስራሕቲ ዝስፋሕፍሕሉ ምሁራዊ መስርሕ ንምዝርጋሕ ብዕቱብ ምስራሕ ከምዝግባእ ተኣንፊቱ፡፡

Downloads

Published

2024-05-08