ወርቂ ከም ምልክት ሃብትን መንነትን ኣብ ትግራይ

Authors

  • Abate Kassahun Teferra MU Author

Keywords:

ትግራይ, ወርቂ, ኲናት, ጅግንነት, ሕላገት, ምልክት

Abstract

እዚ መፅናዕቲ፣ “ወርቂ” ኣብ ምግላፅ ሃብትን መንነትን ትግራይን ተጋሩን ብምድህሳስ፣ እቲ ኣምር ብመንፅር ግቡእነትን ምሉእነትን ክንደይናይ ምልክት ምዃኑ ይትንትንን ይዝትይን። እዚ ንምዕዋት፣ ብዕሉም ስልቲ ካብ ዝተመረፁ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ (ደርፍታት፣ መደረታት፣ ሕላገታት፣ ታሪኻዊ ሰነዳትን ካልኦት ፅዋታትን)፣ መረዳእታ ብምእካብን ኣገደስቲ ቴማታት ብምንፃርን ዓሚቝ ፅሑፋዊ ትንተናን ዝተያን ተሳሊጡ። “ወርቂ” ዝብል ቃል፣ ፈለማ ከም ስም ማዕድንን ከም ባእታ ኣስማት ዝተፈላለዩ ስፍራታትን ሰባትን ኣብ ትግራይ ብስፍሓት ይርከብ። ብምኽንያት እቲ ዝተጠቐሰ ዝርገሐን ብዘለዎ ውሳኽ ፍታሕን፣ እቲ ኣምር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብፍላይ ኣብ ቀረባ ምእንተ ህላወ፣ ፍትሕን ሓርነትን ተጋሩን ትግራይን ኣብ ዝተኻየዱን ዝካየዱን ዘለዉ መስተንክራዊ ፍፃመታት ንዝተቓለሱን ኣብ ምቅላስ ንዘለዉን ሰብ ታሪኽ፤ ብኣውራ ድማ፣ ንህዝብን ንመሬትን ትግራይ ከም ዝውክል ዝተፈላለዩ ኣብነታት ይሕብሩ። ብመሰረት ክቡርነት እቲ ማዕድን፣ እወንታዊ ፍታሕ እቲ ቃል፣ ብፍላይ ህልው ተርእዮታት ተምሳሌታዊ ኣጠቓቕማታትን ምቕፃል ንቡርን ቅቡልን ልማዳትን፣ ወርቂ ከም ስምን ሕላገትን ተጋሩ፣ ትግራይን ምእንተ እቲ ህዝብን እታ መሬትን ዝሳለጡ ዝተፈላለዩ ዕማማትን ንምግባር ርኡይን ኣድማዕቲ ፃዕርታት ምግባር የድልይ።

Downloads

Published

2024-05-08